EPDP News

ኤርትራዊ ዝመበቆሉ ስዊድናዊ ጋዜጠኛ ንክፍታሕ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጸዊዑ፡ ኢትዮጵያውያን ጋዜጠኛታት ከኣ ብዋሕስ ተፈቲሖም። ኣብ ሕቡራት ሃገራት ሓላፊ ጉጅለ ምጽራይ ሰብኣዊ መሰላት ዳዊት ይስሃቅ ንዝሓለፉ 20 ዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝጸንሐን ምስ ጠበቓ ኮነ ካልእ ቀረብ ርክብ ከምዘይነበሮን ጠቒሶም ኣብ ሓጺር ግዜ ክፍታሕ ከም ዝተማሕጸኑ ማዕከን ዜና ቢቢሲ ኣብዚ ሳልስቲ ኣብ ዝዘርግሖ ዜና ሓቢሩ። ኣተሓሒዞም ከኣ ብዛዕባ ህላወ ዳዊት ስግኣት ስለ ዝሓደሮም መንግስቲ ኤርትራ እዚ ጋዜጠኛ ብህይወት ምህላዉን ዘይምህላዉን መረጋገጺ ንክህብ ሓቲተምዎ።

ዳዊት ይስሃቅ ኣብ ኤርትራ ለውጢ ክመጽእ ባህጊ ስለ ዝነበሮ ኣብ ተስዓታት ካብ ስዊድን ናብ ኤርትራ ተመሊሱ ናይ ብሕቲ ጋዜጣ መስሪቱ ድምጺ ህዝቢ ክኸውን ጀሚሩ ዝነበረ እዩ። ደሓር ግና መንግስቲ ህግደፍ ስግኣት ስለ ዝሓደሮ ብ2001 ለውጢ ንምዕጋት ኣብ ዝወሰዶ ወፈራ ፖለቲከኛታትን ጋዜጠኛታትን ክኣስር እንከሎ ዳዊት ሓደ ካብቶም ግዳያት እዩ። ዳዊት ዝተኣስረ በቶም ዝንቀሳቐሱ ዝነበሩ ናይ ለውጢ ሓይልታት ዝተላእከሉ ቅሉዕ ደብዳበ ኣብ ጋዜጣኡ ምስ ኣውጸአ ከም ዝኾነ ኣብቲ ነዚ ጉዳይዚ ብዝምልከት ብቢቢሲ ዝተዘርገሐ ሓበሬታ ተጠቒሱ።

ቅድሚ ሕጂ ንጉዳይ ዳዊት ብዝምልከት፡ ቤተሰቡ፡ መንግስቲ ስወድንን ዝተፈላለዩ ኣብ ሰብኣዊ መሰል ዝግደሱ ኣካላትን ዳዊትን ብጾቱን ብናጻ ክፍትሑ ወይ ኣብ ናጻ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ ካብኡ ሓሊፉ ከኣ ምስ ቤተሰቦምን ጠበቓታቶምን ንከራኽቦ ንመንግስቲ ህግደፍ ክምሕጸንዎ ጸኒሖም እዮም። ነዚ ሓድሽ መጸዋዕታ ዘቕረቡ፡ ነቲ ተሓላቒ ጉጅለ ዝወከሉ ክልተ ስዊድናውያን ጠበቓታት ኮይኖም እቶም ሓደ  ናይ ሰላም ኖበል ተዓዋቲ እዮም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ብሰንክዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ቅድሚ ወርሒ ኣቢሉ ተኣሲሮም ካብ ዝነበሩ ኢትዮጵያውያን ጋዜጠኛታት፡ እቶም ኣርባዕተ ብ17 ነሃሰ 2021 ተፈቲሖም። እዞም ነፍሲ ወከፎም ብናይ 5 ሺሕ ብር ዋሕስ ዝተፈትሑ ጋዜጠኛታት፡ ያየሰው ሽመልስን ኣበበ ባዩን ካብ ኢትዮ-ፈሮም፡ በቃሉ ኣላምረውን ፋኑኤል ክንፉን ከኣ ካብ ኣውሎ ሚድያ እዮም። እዘን ክልተ ናይ ዩቱብ ሚዲያታት፡ ኢትዮ-ፎረምን ኣውሎ ሚድያን ብዛዕባዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝቕጽል ዘሎ ኩነታት፡ ርትዓዊ ሚዛን ዘለዎ ትንተና ብምሃብ ተፈላጥነት ረኺበን ዝነበራ እየን። ኣቐድም ኣቢሉ እውን  ተኣሲሮም ዝነበሩ 12 ሰራሕተኛታት ሚድያ ኣውሎ ሚድያ ከም ዝተፈትሑ ዝዝከር እዩ።

ማእከል ኤርትራ ዝተባህለ ማዕከን ዜና፡ “ማእከል ሓልዮት ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ” ዝተባህለ ኣካል ጠቒሱ ከም ዝሓበሮ፡ ክልተ ኤርትራውያን ካብ ሃገር ግብጺ ተገዲድካ ናብ ኤርትራ ናይ ምምላስ ሓደጋ የንጸላልዎም ኣሎ። እዞም ኣብ ግብጺ ዑቕባ ዝሓተቱ፡ እሞ ናይታ ሃገር ኢሚግራሸን ናብ ኤርትራ ክመልሶም መዲቡ ዘሎ ኤርትራውያን፡ ኣለም ተስፋይ ኣብርሃምን ክብሮም ኣድሓኖም ዝተባህሉ ብቕደም ሰዓብ ካብ 2012ን 2014ን ጀሚሮም ኣብ ግብጺ ኣልኳናተር ኣብ ዝበሃል ቦታ ተኣሲሮም ዘለዉ እዮም። እዞም ብሰንኪ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሕሱም መነባብሮ ዝተሰዱ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ግብጺ ብዘይወዓልዎ ገበን ኣደዳ ስቓይን መከራን ኮይኖም ዝጸንሑ እዮም።

እቲ ሓበሬታ ከም ዝገለጾ ኤርትራን ግብጽን ነዞም ሰባት ዓለም ለኻዊ ሕጊ ብምጥሓ እየን ክመልሰኦም መዲበን ዘለዋ። ናይቲ ቤት ማእሰርቲ ምምሕዳር ነዞም ግዳያት ብ8 ነሃሰ 2021 ናብ ቤት ጽሕፈት ኢምግረሽን ናይታ ሃገር ከም ዝወሰዶምን  ኣብኡ ንዝጸሑ ሰራሕተኛታት ኤምባሲ ኤርትራ ብዛዕባ ምምላስ ናይዞም ግዳያት ናብ ኤርትራ ከም ዝሓበርዎምን እቲ ዜናዊ ጸብጻብ ኣረዲኡ።

መበል 13 ዓንቀጽ ኣድማሳዊ ውዕል ሰብኣዊ መሰል “ዝኾነ ሰብ፡  ናጻ ናይ ምንቅስቓስ  መሰል ኣለዎ”ን  “ዝኾነ ሰብ   ካብ ዝኾነ ሃገር እንተላይ ካብ ሃገሩ ናይ ምውጻእ”ን መሰላት ኣለዎን ዝብሉ  ድንጋገታት ዝሓዘ እዩ። ግብጺ ናይቲ ብ1951 ዝተበጽሐ ንስደተኛታት ዝምልከት ናይ ሕቡራት ሃገራት ስምምዕን ናይ ሕብረት ኣፍሪቃ ውዕል ሓለዋ ሰብኣዊ መሰልን ኣካል እያ። ብመንጽርዚ ውዕላት ነዞም ኤርትራውያን ግዳያት፡ ናይ ኣየነይቲ ሃገር ዜጋታት ምዃኖም ብዘየገድስ መሰልን ድሕነትን ምሕላው  ግዴተኣ ክኸውን ምተገበአ። ኣብ ርእሲዚ ኣብ ናይታ ሃገር ናይ 2014 ሕገመንግስቲ ኣብ ዓንቀጽ 91 ሰፊሩ ዘሎ  ንመሰል ዝምልከት ዓንቀጽ እውን ኣብ መሰል ዝኾነ ሰብ ከተተግብሮ ነይርዋ።

ኣድሓኖምን ተስፋይን ኣብቲ ክሳብ ሕጂ እውን ዘይተቛረጸ ኤርትራውያን መንእሰያት ደቂ ተባዕትዮ ኮኑ ደቂ ኣንስትዮ ክሓልፍዎ ዝግደድሉ  ናይ ግዱድ ዕስክርና ባርነት ተሳቲፎም እዮም። ስለዚ ኣካል ናይቶም ካብዚ ወፍሪ ባርነት ዝሃድሙ ኤርትራውያን እዮም።

ኣብ ልዕሊ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ብምምሕዳር ጉጅለ ህግደፍ ዝፍጸም መቕጻዕቲ ኣዝዩ ሓደገኛ እዩ። ብምምሕዳር ህግደፍ ኣብ ካልእ ሃገር ዑቕባ ምሕታት ገበን እዩ። ስለዚ እዞም ክልተ ግዳያት ናብ ኤርትራ እንተደኣ ተመሊሶም፡ ዝጽበዮም ሓደጋ  ኣዝዩ ከቢድ እዩ። ኣብ ኤርትራ ዝኾነ ብዘይፈቓድ ህግደፍ ካብታ ሃገር ዝወጸ ዜጋ ከም ከዳዕን ገበነኛን እዩ ዝቑጸር። ካብዚ ንምድሓን ከኣ “ናይ ጣዕሳ” ዝበሃል ቀጥዒ ምምላእን ካልእ ስጉምትታትን ክትወስድ ናይ ግድን እዩ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ “ማእከል ሓልዮት ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ”  መንግስቲ ግብጺ ኣብ ክንዲ ኣገዲዱ ናብ ኤርትራ ምምላሶም፡ እዞም ዝስዕቡ ዝጉምትታት ንኽወስድ ከም ዝተማሕጸነ፡ እቲ ዜናዊ ጸብጻብ ሓቢሩ።

 ነዞም ግዳያት ናብ ኤርትራ ክመልሶም ዘለዎ መደብ ክትስርዝ፡ ኣብ ክንድኡ ብዘይውዓል ሕደር ክትፈትሖም፡ ግዝያዊ ውሑስ ኩነታት ክፈጥረሎም፡ ብመሰረት  እቶም ኣቐዲሞም  ዝተጠቐሱ ውዕላትን ስምምዓትን  ኩሉ መሰላቶም ከም ዝተሓለወ ከረጋግጽንን ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ንጉዳዮም ቆላሕታ ሂቡ ኣብ ውሑስ ሃገር ንከዕቁቦምን ንክሓትት ንመንግስቲ ግብጺ ተማሕጺንዎ።

ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብ7፡ 8ን 15ን ነሓሰ 2021 3ይ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ። ኣብዚ ኣኼባኡ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ እዋናውን ኣገደስትን ዛዕባታት ዓሚቕ ዘተ ኣካይዱ ውሳኔታት እውን ኣመሓላሊፉ። ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) ኣቦመንበር ማእከላይ ባይቶን ፈጻሚ ሽማግለን ሰዲህኤ፥ ነዚ ኣኼባ ክኸፍት እንከሎ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ኣብ ከባቢና ዝረአ ዘሎ ቅልጡፍ ፖለቲካዊ ምቅይያራት ጠቒሱ ብመንጽርዚ ሓላፍነት ናይዚ ኣብ ተሃዋሲ እዋን ዝተኻየደ ኣኼባ ዕዙዝ ምዃኑ ኣስሚርሉ። ኣተሓሒዙ ድማ እቲ ኣኼባ ዝዛተየሎም ዛዕባታት ኣቕሪቡ፥ ማእከላይ ባይቶ ከኣ፡ ኣጽዲቕዎ።

ማእከላይ ባይቶ ኣብ መጀመርታ ነቶም ኣቐዲሞም ናብ ኣባላቱ ተዘጊሖም ዝጸንሑ ንድፊ ጸብጻባት፡ ናይ 9ተ ኣብያተ ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለን ጠቕላላ ተቖጻጻሪ ገንዘብን (ኦዲተር) በብሓደ እናተመያየጠን ኣድለይቲ ኢዮም ዝበሎም ምምሕያሻት እናገበረን ድሕሪ ምኻድ፡ ነቲ ጸብጻባት ብምሉእ ድምጺ ኣጽዲቕዎ። 

ማእከላይ ባይቶ ካብዚ ሓሊፉ ብዛዕባ’ዞም ዝስዕቡ ኣገደስትን እዋናውያንን ዛዕባታት ፍሉይ ግምት ብምሃብ ዘትዩን ውሳነታት  እሕሊፉን።

1) ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ነቲ ኣቐዲሙ ጀሚርዎ ዝጸንሐ ዓቕምታት ኣባላቱ ናይ ምምዕባል መደባት ኣተባቢዑ።  ህዝባዊ ስፍሓትን ኣድማዕነትን ንምብራኽ ከኣ ብዝሓየለ ደረጃ ክቕጽሎ ምዃኑ ኣኼባ ወሲኑ።

2) መስርሕ ምውህሃድ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ደረጃ ከም ዝርከብን ናብዚ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ ንምብጻሕ ዝተኻየደ ጻዕርን ዘጋጠሙ ብድሆታትን፥ ከምኡ’ውን ግደ ሰዲህኤ ይኹን መሓዙት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኣብቲ መስርሕ ብዕምቆት ተዛሪብሉ። እቲ መስርሕ ኣብ ተስፋ ዝህብ ደረጃ ከም ዘሎ ተረዲኡ። ኣብ ዞባና ተኸሲቱ ብዘሎ ግዜ ዘይህብ ምዕባሌታት፡ ማእከላይ ባይቶ ህጹጽ ስጉምትታት ክውሰድ ዝግባእ ምዃኑ ተገንዚቡ። ነቲ ተበጺሑ ዘሎ ደረጃ ምቅርራብ ማዕረ ድሌትን ትጽቢትን ህዝብና ክብ ንምባሉ ከኣ፡ ዝያዳ ዕቱብን ንቑሕን ተሳትፎ ከምዝሓትት ኣስሚርሉ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ፡ ድማ፡ ፖለቲካዊ ሓይልታትን ውድባትን፡ ህዝባዊ ምንቅስቓሳት፡ ሲቪካዊ ማሕበራትን ባይቶ ይኣክልን ዝኣመሰሉ ኤርትራውያን ናይ ለውጢ ሓይልታት  ሓቢሮም ዝዋስእሉ ሰፊሕ  መድረኽ  ኣብ ምፍጣር ንኽጽዕት፡ ማእከላይ ባይቶ ንፈጻሚ ሽማግለ መምርሒ ሂቡ።  

3) ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ብዛዕባ ኣብ ከባቢ ቀርኒ ኣፍሪቃን ዞባ ቀይሕ ባሕርን ብሓፈሻ፥ ኣብ ኢትዮጵያን ትግራይን ድማ ብፍላይ ዝረአ ዘሎ ውዑይ ፖለቲካዊ ምቅይያራትን ጽዕጹዕ ውግኣትን ተመያይጡ። ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኸስተ ውግእ፡ ስርዓት ህግደፍ፡ ብሰንኪ ዝተኽተሎ ግጉይ ፖሊሲ ዝምድና፡ ኤርትራውያን መንእሰያት’ውን ዝሃልቅሉ ዘለዉ ስለዝኾነ፡ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ንረብሓኡ ዘየገልግልን ምስ ልኡላውነት ኤርትራ ዘይኣምኑ ሓይልታት ብምሽራኽን፡ እቲ ጉጅለ ዝገብሮ ዘሎ ኢድ ኣእታውነት ብትሪ ክቃወሞን  ኣብ ጎኒ እቶም ንሓርነቱን ንፍትሒን ዝቃለሱ ዘለዉ ሃገራውያን ሓይልታቱ ደው ክብልን ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ጸዊዑ።

ማእከላይ ባይቶ፥ ካብ ፖሊሲታትን መትከላት ሃገራዊ ልዑላውነትን ጣልቃ ዘይምእታውን ሰዲህኤ ተበጊሱ ነቲ ብጉዳይ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ኣብ ደለይቲ ፍትሒ ዝንጸባረቕ ዘሎ  ክልተ ተጻራሪ ጫፋት ዝሓዘ መርገጻት እውን ዳህሲሱ። ካብ’ዚ ነቒሉ እቶም ኣብ ልዕሊ  ኤርትራውያን ስደተኛታትን ህዝቢ ኢትዮጵያን ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈጸሙ ሰብኣዊ ግህሰታትን ግፍዕታትን  ክዅነኑ  ከምዝግባእ ርእዩ።   ኣብዚ ውግእ’ዚ ዝተፈጸሙ ግፍዕታት፡ ብሻራ ዘይብሉ ኣካል ክምርመሩን ገበነኛታት ድማ ኣብ ፍርዲ ክቐርቡን ዝምልከቶም ኣካላትን ኣህጉራዊ ማሕበረ-ሰብን ብዕቱብነት ክሰርሕሉ እውን ጸዊዑ። ኣብ ርእስ’ዚ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘንጸላሉ ዘሎ ናይ ጥሜት ሓደጋ ንምግታእ ገደብ ዘይብሉ ናይ ረዲአት ስርሓት ክካየድን ኣገልግሎታት ክጅመርን ጸዊዑ። እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ደማዊ ውግኣት ደው ንምባል፡ መፍትሒኡ ፖለቲካዊ ልዝብ ጥራሕ ምዃኑ ኣነጺሩ። 

4) ኣኼባ ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ከኣ ኣብ ትግራይ ኣብ መደበራት ተዓቚቦም ዝነበሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ነቲ ውግእ ተኸቲሉ ብዛዕባ ዘጋጠሞም ጸገማትን ግህሰታትን ርእዩ። እቲ ጸገም ጌና ሕጂ እውን ከም ዘይተወገደን ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ዓውዲ ውግእ ኣደዳ ሞት፡ ጥሜት፥ምጭዋይ፡ ምስዋርን ምብራስ ንብረቶምን ይኾኑ ብምህላዎም ኣኼባ ክብ ዝበለ ሻቕሎት ከምዘለዎ ኣመዝጊቡ። ካብዚ ነቒሉ ከኣ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ካለኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ንድሕነት እዞም ኤርትራውያን ስደተኛታት ክሰርሑ ዕዙዝ መጸዋዕታኡ ኣቕሪቡ። ኣብዚ ጉዳይዚ ዝተፈጸመ ገበን ተጻርዩ በቲ ተግባር ዝሕተቱ ኣካላት ናብ ፍትሒ ክቐርቡ ድማ ተማሕጺኑ።

ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ፡ ኣብቲ ዘጽደቖ ጸብጻባትን ፍሉይ ግምት ሂቡ ዝተመያየጠሉ ኣገደስቲ ጉዳያትን ተመርኲሱ፡ ኣብያተ-ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለ ናይ መጻኢ ሓደ ዓመት ትልመን ክሕንጽጻ እንከለዋ ከተኩራሎም ዝግበአን ኣቕጣጫታት ኣመላኺቱ።

ካብዚ ሓሊፉ ዝተፈላለዩ ምምሕዳራዊ ጉዳያት ርእዩን ዘድሊ ውሳነታት ኣሕሊፉን።  ከምኡ እውን ክጽንዑ ንዝግበኦም ጉዳያት ዝከታተላ ሽማግለታት ኣቚሙ። ማእከላይ ባይቶ ኣብዚ ኣኼባኡ ብመሰረት ቅዋም ሰዲህኤ፡ ንመጻኢ ሓደ ዓመት እትመርሕ 9 ዝኣባላታ ፈጻሚት ሽማግለን ተቖጻጻርን ብዲሞክራስያዊ መንገዲ መሪጹ።

ማእከላይ ባይቶ፡ ኣባላትን ደገፍትን ሰዲህኤ፡ ከበርክትዎ ዝጸንሑ ንዋታውን ንያታውን ሓገዛት እናመጐሰ ኣብ መጻኢ እውን ንምዕዋት መትከላቱ  ኣበርክተኦም ከዕዝዙ ጸዊዑ።  ነቲ ሰላምን ራህዋን ዝብህግ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ድማ  በቲ ክሳብ ሕጂ ኣንጻር ወጽዓ  ህግዲፍ  ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ ከይተሓለለ ክቕጽሎ ኣኼባ ጸዊዑ።

ኣብ መወዳእታ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ፥ ዓለም ለኻዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ባይቶ ይኣክል መስራቲ ጉባኤኡ ብዓወት ምዝዛሙ ናይ ዮሃና መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ። ንኤርትራውያን ስደተኛታትን ንኣካለ ጽጉማንን ንዘበርከቶ ሓገዛት መጐሱን ናእዳኡን ገሊጹ። ብዘይካዚ ኣኼባ ነቶም ንቤት ትምህርቲ ወዲ ሸሪፈይ ሓገዝ ከበርክቱ ዝጸንሑ ኤርትራውያን ወገናት ኣመጊሱ፡ ኣብ መጻእውን ሓገዞም ቀጻሊ ክኸውንን ካለኦት ነዚ ሰናይ ተግባር  ክስዕብዎን ኣተሓሳሲቡ።

ንቅዋማዊ ምሕደራ፡ ንዲሞክራስን ንምዕባለን ንቃለስ!

15 ነሓሰ 2021

ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት)ን ስራዊት ናጽነት ኦሮሞ (ሰናኦ)ን ሰራዊቶም  ኣንጻር ሰራዊት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሓባር  ክምክት ከም ዝተሰማምዑ ገሊጾም። ኣቦመንበር ህወሓት ዶ/ር ደብረጼን ገብረሚካኤል ነቲ ስምምዕ ብዝምልከት ንማዕከን ዜና ሮይተርስ ከረጋግጽሉ እንከለዉ፡ ኣዛዚ ሰራዊት ሰናኦ  ኩምሳ ደሪባ ብወገኖም ንማዕከን ዜና ኣሾሾይት ፕረስ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ኣረጋጊጸምሉ። እዞም መራሕቲ ብዛዕባ ሓቢርካ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ምዕላው ኣቐዲሞም ክዘራረብሉ ከም ዝጸንሑ’ውን ኣረጋጊጾም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዞም ብሓባር ክሰርሑ ወሲኖም ዘለዉ ክልቲኦም ኣካላት ካብ ነዊሕ ግዜ ክኸሶም’ኳ እንተጸንሓ፡ ቀጺሉ ከኣ ብደረጃ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ኢትዮጵያ (ፓርላማ) ብወግዒ “ፈጠርቲ ራዕዲ” ኢልዎም። ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ፡ ኣብ ምዕራባውን ደቡባውን ከባብታት ክልል ኦሮሞ ብዘካይዶም ስርሒታት ካብ ነዊሕ ግዜ ብማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክኽሰስ ዝጸንሐ እዩ። ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ከኣ መቐጸልታ ናይቲ ኣቐዲሙ ዝተፈጥረ ምስሕሓብ፡ ካብ 4 ሕዳር 2020 ጀሚሩ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኣዝዩ መሪር ደማዊ ውግእ ኣትዩ  ዘሎ እዩ።

ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ሌተናል ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ ሓደ ካብ ኣዘዝቲ ሰራዊት ምክልኻል ትግራይ “ውግእ ነካይድ ዘለና ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዘቕረብናሉ ቅድመ ኩነት ንክቕበል ተጽዕኖ ንምፍጣር እዩ” ኢሎም ነይሮ። ኩምሳ ደሪባ ብወገኖም ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ብዘይካ ብሓይሊ ምውጋዱ ካልእ ምርጫ የለን ዝብል መግለጺ ሂቦም ነይሮም። ኩምሳ ደሪባ ወይ ጃልመሮ ከም ዝበልዎ፡ በቲ ስምምዕ መሰረት ሓበሬታ ምልውዋጥ ከም ዝህሉን ጐኒንጐኒ ኮይንካ ዘይኮነስ ኩነታት ከም ዝፈቕዶ በብዝጥዕመካ ሓቢርካ ምውጋእ ምዃኑ ገሊጾም።

ሓለፍቲ ህወሓት ብወገኖም ናብ ስምምዕ ዘብጽሕ ስራሕ ከም ዝተሰርሐ’ኳ እንተገለጹ፡ ኣብ ዝርዝር ግና ኣይኣተዉን። ብፍላይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣማኻሪ ፕረሲደንት ትግራይን ወሃብ ቃል ወተሃደራዎ ኮማንድ ትግራይን “መጻኢ ዕድል ኢትዮጵያ ናይ ምውሳን ሓላፍነት ምስ ዘለዎም ወገናት ምዝማድ ኣድላይ እዩ” ክብሉ  ገሊጾም።

ላዕለዎት ሓለፍቲ ፍደራላዊ መንግስቲ  ኢትዮጵያ፡ ነቲ ተረኽቦ ዝጽበይዎ ዝነበሩ እምበር ሓድሽ ከምዘይኮነ ይገልጽዎ ኣለዉ። ካለኦት ወገናት ግና እዚ ስጉምቲ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላው መሊሱ ከየጋድዶ ስግኣቶም ይገልጹ ኣለዉ።

ዓለም ለኸ ምንቕስቓስ ይኣክል ኤርትራውያን፡ ካብ 31 ሓምለ ክሳብ 1 ነሃሰ 2021 “ሶቫያ ንሓድነት ሃገር” ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭረሖ ፈላሚ ጉባአኡ ኣካይዱ። ምንቅስቓስ ይኣክል ኣብቲ ድሕሪ ጉባአኡ ዘውጸኦ ደምዳሚ ኣዋጅ፡ ኣብዚ ጉባአ ካብ ዓሰርተ ሓደ ሃገራት ማለት ካብ ካናዳ፡  ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ፈረንሳ፡ ኢጣልያ፡ ስዊትዘርላንድ፡ ጀርመን፡ ደንማርክ፡ ሽወደን፡ ደቡብ ኣፍሪቓን ከምኡ'ውን ኣውስትራልያን ዝተወከሉ ከም ዝትሳትፍዎ ሓቢሩ። 

ኣብዚ ዓለም-ለኻዊ ምንቕስቃስ ይኣክል  ኤርትራውያን ብዕሊ ኤርትራውነት  ዘማእከሎ ምንቅስቓስ ኮይኑ ዝተመስረተሉ ብዙም ዝተኻየደ ጉባአ፡ ኣስታት 400 ሰባት ከም ዝተሳተፍዎ እቲ ኣዋጅ ጠቒሱ። ኣብዚ ጉባአ ካብ ዝተፈላለያ ፖለቲካዊ ውድባት ምንቅስቓሳት፡ ማሕበራትን ሚድያታትን ዝተወከሉን ኣካላት ናይ ምሕዝነት መልእኽትታት ኣቕሪቦም። ብዘይካዚ ኣገደስቲ ሰነዳት ጸዲቖም ገምግማት ከም ዝተኻየደን 13 ዝኣባላታ ፈጻሚት ከም ዝተመዘትን ተፈሊጡ። እቲ ጉባአ ኣብ መወዳእታ ነዚ ዝስዕብ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።

  1. መሰረታዊ መበገሲ ምንቕስቓስ ይኣክል፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህላወና ብስርዓት ህግደፍ ተኣዊጂ ዘሎ ናይ ጽንተት ኹናት፡ ብኩለንትናኡ ምብዳህን፡ ምውሓስ ሃገራዊ ክብርን፡ ምርግጋጽ ህዝባውነትን ግዝኣተ-ሕጊ ኣብ ኤርትራ ስለዝኾነ ከምቲ ብማዕበል " ይኣክል" ኢልና ዝኣተናዮ መብጽዓና ዳግም ብምሕዳስ፡ ንቅዱስ ተልእኮ  ዓለም-ለኻዊ ምንቅስቃስ ይኣክል ኤርትራውያን ንምዕዋትን ጸዓትና ኣብ ፋልማይ ጉባኤና ከነዕዝዝ ይምሕጸን።
  2. ብዙሕነትን ተሳታፍነትን ኩሉ ኤርትራዊ ኣብ መስርሕ ምውሓስ ዋንነት ህዝባውነት፡ ዓቢ ተራ ዘለዎ፡ ምካኑ ብዝግባእ ተገንዚብና፡ ንኩሉ ብድሆታት ናይ ብዙሕነት  ብምጽውዋርን ብምክብባርን እናሰገርና፡ ምንቕስቃስ ይኣክል  ካብዚ ዘሎናዮ ዝሰፍሐ፡ ተሳትፎ ህዝቢ ዘኣንግድ መኣዲ ክኾነልና፡ ንሓድነት ዝግባእ ዋጋ ምኽፋል ከምዝግባእ ነረጋግጽ።
  3. ህዝቢ ዝመሰረቱ ሰፊሕ ጥርናፈ፡ ዋሕስ ቃልስና ምዃኑ ብምእማን፡ እዚ ካብ ባይቶታት ከተማታት፡ ናብ ደረጃ ሃገርን፡ ሕጂ 'ውን ዓለም-ለኻዊ ምንቕስቃስ ይኣክል ኤርትራውያን በጺሑ  ዘሎ ኣገዳሲ ከይዲ፡  ብምቕጻል ንኩሉና ድምጺ ህዝቢ ዝኸውንን  ንረብሓና ዝቃለስ ሃገራዊ ሓይሊ ክምስረት ክጽዓር የዘኻኽር።  ዘለናዮ መድረኽ፡ ናይ ህጹጽነትን ዕትበትን ዝጠልብ፡ ስለዝኾነ፡  ዓለም-ለኻዊ ምንቕስቃስ ይኣክል  ኤርትራውያን  ንኹሎም ተቓለስቲ  ፖለቲካዉያን ውድባትን ሰብ-ብርክን ከም ናይ ቃልሲ  መዛኑን መሻርክትን፡ ብናይ ስራሕ ውዕልን ምትሕብባርን፡ እናተመላላእና፡ ክንቃለስን፡ ንቕድሚት ብሓድነት ክንስጉምን ይጽውዕ።

ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ኣብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝፍጸም ዘሎ መጥቃዕቲ ከም ዘሻቐላ ብምጥቃስ፡ ኣብ ልዕሊኦም  ዝፍጸም መጥቃዕትን ምፍራራሕን ደው ክብል ጸዊዓ። ወሃቢት ቃል ሚኒሰትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ጁሊና ኣብ ዝሃበኦ ሓበሬታ፡ "ምስ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ዝምድና ዘለዎም ወተሃደራዊ ሓይልታትን ምልሻን ኣብ ልዕሊ ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ኣዚና ኢና ተሻቒልና ከም ዝበላ ማዕከን ዜና ቢቢሲ ኣፍሊጡ።

እተን ወሃቢት ቃል ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ 2021 ብወተሃደራት ኤርትራ ቅትለት፡ ጭውያን ኣገዲድካ ናብ ዓዶም ምምላስን ከም ዘጋጠሞም ጠቒሰን፡ ኣብ መጻኢ ዝምልከቶም ኣካላት ካብ ከምዚ ዓይነት ተግባር ክእደቡ ጸዊዐን። ወሃብ ቃል ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት፡ ባባር ባሎች ብወገኖም፡ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብቲ መደበራት ሓደ ስደተኛ ከም ዝተቐትለን፡ ኣብዚ እዋንዚ እቶም ስደተኛታት ብሕጽረት ጽሩይ ማይን ካልእ ከም መግብን መድሃኒትን ዝኣመሰለ መሰረታዊ ቀረባትን ይጽገሙ ከም ዘለዉ ሓቢሮም። ኣተሓሒዞም ከኣ ላዕለዋይ ኮሚሽ ጉዳይ ስደተኛታት ብዛዕባቶም ኣብ መደበራት ማይዓይንን ዓዲ ሓርሽን ዘለዉ ስደተኛታት ደሃይ ካብ ዝረክብ ሳምንታት ከም ዝሓለፈ ሓቢሮም። እቶም ኣብተን መዓስከራት ዝርከቡ ኣስታት 24 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ወርሓዊ ዝወሃቦም ናይ መግቢ ሓገዝ ካብ ዝቕበሉ ሓደ ወርሒ ስለ ዝኾነ ሓደጋ ጥሜት ኣጋጢምዎም ከም ዘሎ ባባር ባሎች ጠቒሶም።

ምስቲ ኣብቲ ከባቢ ውግኣት ምቕጻሉ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ዝለዓለ ሻቕሎት ሓዲርዎ ኣሎ። እቲ ዜና ኣብቲ ከባቢ ውግእ ዘስዓቦ ምፍርራሕን ክትራንን ከም ዘጋጥም’ውን ጠቒሱ። መራሕቲ ሓይልታት ትግራይ ብወገኖም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ተፈጺሙ ዝተባህለ ምምዝባልን ካልእ በደላትን ከም ዘሻቕሎም ጠቒሶም፡ ብዛዕባ ናይቲ ተግባር ፈጸምቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብዝመርሖ ናጻ ኣካል ምጽራይ ንክግበር ጸዊዖም ነይሮም።

ብኻልእ ወገን ከኣ ብሰንኪ እቲ ኣብዚ ቀረባ መዓልትታት ኣብ ክልል ዓፋር ዝካየድ ዘሎ ውግእ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ክመዛበሉ እንከለው፡ ኣብቲ ክልል ኣብ መደበራት ዝነበሩ ኣስታት 55 ሺሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ድማ ኣብ ኣሻቓሊ ኩነታት ወዲቖም ከም ዘለዉ እቶም ወሃቢ ቃል ላዕለዋይ ኮሚሽ ጉዳይ ስደተኛታት ሓቢሮም።

ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ንዘለዋ ተወካሊቱ ብምጥቃስ ብጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝሓደሮ ሻቕሎት እንደጋና ገሊጹ። እቲ ኮሚሽን፡ ምስቲ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብቲ ከባቢ ይቀያየር ብዘሎ ኩነታት፡ ኣብ መደበራት ማይዓንን ዓዲ ሓርሽን ብዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣዝዩ ከምዝተሻቓለ ኣብ ዝዘርግሖ ሓድሽ ዜና ሓቢሩ።

ብመሰረቲ ካብዚ ኮሚሽን ዝተረኽበ ዝተሓደሰ ዜና፡ ኣብዚ ኣብ መንጎ ሓይልታት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ዝተኻየደ ውግእ ሓደ ስደተኛ ከም ዝሞተን ኣብቲ መደበራት፡ ስርቂ፡ ማእሰርቲ፡ ማህረምትን ዕግርግርን ልሙድ ኮይኑ  ከም ዘሎን ዘመልክት እሙን ሓበሬታ ከም ዘለዎ ኣረጋጊጹ። ብሰንክቲ ወተሃደራዊ ምንቅስቓሳት እቲ ጉዳይ ዝምልከቶም ሰራሕተኛታት ናይቲ ኮሚሽን ኣብቲ መደበራት ብኣካል ክንቀሳቐሱ ከም ዘይከኣሉ’ውን ሓቢሩ።

ምስዚ ኣተሓሒዙ ድማ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን፡ ብመሰረት ንድሕንነት መደበራት ስደተኛታትን ሲቪልን ዝምልከት ዓለም ለኻዊ ሕግን ስምምዓትን  እጃሞም ከበርክቱ ጸዊዑ።

ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብ3 ሓምለ 2021 ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ “እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይን ኣብ ዝተፈላለያ መደብራትን ካብ መደብራት ወጻእን ዝርከቡ ስደተኛታት ኤርትራውያንን ዝተፈጸመ ሰፊሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከይድገም፤ እቲ ክሳብ ሕጂ ተፈጺሙ ዘሎ ከኣ ብነጻ ኣካል ተጻርዩ ኩሎም እቶም፡ ኣብቲ ገበን ዝተሳተፉ ኣካላት ብዝፈጸሙዎ ግፍዕታትን ግህሰታትን ናብ ሕጊ ቀሪቦም ክሕተቱ ……..”  ምባሉ ዝዝከር እዩ።

ኮሚሽነር ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ፍሊፖ ግራንዲ ብ13 ሓምለ 2021 ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ብዛዕባ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት መግለጺ ኣውጺኦም። እቶም ኮሚሽነር ኣብ መግለጺኦም፡ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት፡ ረዲአት ብምቕራብን ነቲ ጉዳይ ዝከታተሉ ብቑዓት ክኢላታት ብምምዳብ ብዝከኣሎም ይሰርሑ ከም ዘለዉ ሓቢሮም።

ምስዚ ኣተሓሒዞም ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ውግእ ካብ ዝጅምር ኣትሒዞም፡ እቶም ስደተኛታት ተዓቚበሙለን ካብ ዝነበሩ መደበራት፡ እተን ክልተ ሽመልባን ሕንጻጽን ዓንየን፡ ኣብኣተን ዝነበሩ ስደተኛታት ንዝተፈላለዩ ጸገማት ብምቅለዖም፡ ኣብ ዝለዓለ ሻቕሎት ከም ዝጸንዝሑ ጠቒሶም። ከምኡ’ውን ብሰንክቲ ዘጋጠመ ውግእ ብዙሓት ስደተኛታት ነብሶም ከድሕኑ ፋሕ ኢሎም ክሃድሙ ከም ዝተገደዱን ንብረቶም ተዘሚቱ ብዙሕ በደላትን ግህሰታትን ከም ዘጋጠሞም ካብ እሙናት ኣካላት ስሩዕ  ሓበሬታ ከም ዝበጸሖም ኣብ መገልጺኦም ኣስፊሮም።

ኮሚሽነር ፍሊፖ ግራንዲ፡  ሻቕለቶም ብሓፈሻ፤ ብዛዕባዞም ስደተኛታት ዝለዓለ ኮይኑ ከም ዝጸንሐ፡ ብፍላይ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ብለይቲ ኣብ መደበራት ማይዓይንን ዓዲ ሓርሽን ዘጋጠመ ኣዝዩ ከም ዘሻቐሎም ገሊጾም። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ከተማ ሽረ ብዙሓት ስደተኛታት ከም ዝተኣስሩ ዝጠቅስ ሓበሬታ ምስ በጸሖም፡ ኮሚሽኖም ብዛዕባዚ ኣብ ልዕሊ ዑቑባ ዝሓተቱ ስደተኛታት  ዝወረደ ዘይሕጋዊ ተግብር መብርሂ ንምርካብ ናብ መቐለ ከም ዝሓተቱ ኣብዚ መግለጺኦም ኣስፊሮም። ብዘይካዚ ንፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኮነ ኣብ መቐለ ንዘለዉ ኣካላት ብዛዕባዚ ጉዳይ ምጽራይ ንኽግበር ከም ዝተማሕጸኑ ገሊጾም።

እዞም ኮሚሽነር “ዝኾነ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዘጋጥም ምግልታዕ ጠጠው ክብል ይግበኦ፡ ምኽንያቱ ሰደተኛታት መሰል ዕቑባ ዝሓቱ ሲቪል እዮም” ኢሎም። ኣተሓሒዞም ድማ ኩሎም ዝምልከቶም ወገናት ንዓለም ለኻዊ ሕጊ ኣተሓሕዛ ስደተኛታት ክምእዘዙ ይግበኦም ኢሎም። ቀጻሊ ተግባራት ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት፡ ሓድሽ መደበር ስደተኛታት ካብ ምህናጽ ጀሚርካ፡ ድሕነት ስደተኛታት ምሕላው ከም ዝኸውን ጠቒሶም።

ኣብ ትግራይ ካብ ዝነበራ 4ተ መደበር ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ሕንጻጽን ሽመልባን ኣቐዲመን እቲ ውግእ ምስተጀመረ ከም ዝዓነዋ ዝዝከር እዩ። እተን ደሓን እየን ተባሂለን ዝነበራ መደበራት ማይዓይንን ዓዲ ሓርሽን ከኣ፡ ኣብዚ እዋንዚ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይን ፍሉይ ሓይሊኣምሓራን ኣብ ዝመናጠልሉ ክሊ ኣትየን ኣለዋ።

ኤርትራ ብናይ ኩልና ደቃ ቃልሲ እያ  ነጻ ሃገር ኮይና። ክሳብ ሎሚ ተዓቂባ ዘላ እውን  ሳላ ኩልና “ኣለናልኪ” ዝበልናያ እያ። ካብ ምንጋጋ  ጉጅለ ህግደፍ ኣናጊፍካ፡ መጻኢ ናይ ምልመዓን ሓራ ናይ ምውጸኣን ዕድል እውን ብናይ ኩልና ደቃ ኣበርክቶ እዩ ዝውሰን። ኤርትራውያን ክሳብ ሕጂ ናብዚ ሃገርካ ናይ ምውሓስ ደረጃ ዝበጻሕና ሳላ ሕደነትና እዩ። መጻኢና እውን ካብ ሓድነትና ወጻኢ ዝሕሰብ ኣይኮነን። ሓድነትና ክንብል እንከለና ናይ ሓባር ቃልስና ንምሕያልን ንምውህሃድ’በር፡ ብዙሕነትና ብምዝንጋዕ ኣይኮነን።

ኣብ ኤርትራዊ ኣጀንዳ “ንሕና” ኢና እንብል። እዚ ንሕና ከኣ መርኣያ ጽንዓትናን ሐድነትናን እዩ። ብዛዕባ  ብዝሑነትና ክንዛረብ እንከና ከኣ ነቲ “ንሕና” ብዘይጻረር “ንሕና፡ ንስኻትኩም ንሳቶምን” ንበሃሃል። ኣብዚ እውን ከምቲ “ሓድነትና ሓይልና እዩ” ዝበልናዮ ወትሩ “ንሕና” ዝያዳ “ንሕናን ንስኻትኩምን” ኣብ ዝበረኸ  ክንሰርዖ ይግበኣና። እዚ ኣሰራርዓዚ ብፍላይ ኣብ ከምዚ ሎሚ ንርከበሉ ዘለና ናብ ዞባና ዝቋመት ኣዒንቲ ዝበዘሓሉ ተሃዋሲ እዋን፡ ናይ ምድላይን ዘይምድላይን ዘይኮነ፡ መተካእታ ዘይብሉ ግድነት ምዃኑ ክንግንዘቦ ይገበኣና።  ምኽንያቱ ዘለናዮ እዋን ብዘይሓድነትን ምትሕብባርን ንምስጋሩ ኣጸጋሚ ስለ ዝኸውን።

ሓቢርካ “ንሕና ኣለና” ምባል፡ ኣብዚ ምእንቲ ለውጢ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ወሳኒ እዩ። ካብዚ እምንቶ’ዚ ስለ እንነቅል ኢና እውን፣ ኣብ ዝኾነ ኣጋጣሚ ምእንቲ ሓድነትን ተወሃሂድካ ምቅላስን ብዘይምስልካይ እንጽውዕን ምእንታኡ ዓቕምና ዘፍቀዶ እነበርክትን። ኣብ ኤርትራ ኮነ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ኣብ ከባቢና ዝገሃድ ምዕባለታትን ጽልዋታቱን ከነምሓድር እንከለና እውን፡ ካብዚ ቀንዲ መሳሪሕናን ምንጪ ሓይልናን ዝኾነ ሓድነት ፈጺምና ፈልከት ክንብል ኣይግበኣናን። እቲ ጽልዋ ንብሎ ዘለና ብሱዳን ድዩ ብትግራይ ወይ ብየመን ድዩ ብጅቡትን ሱዕድያን ክመጽእ ዝኽእል እዩ። ካብዚ ብዝሰፈሐ እውን ዞባዊ መልክዕ ክሕዝ ይኽእል። ኣብ ትግራይ ተኸሲቱ ዘሎ ኩነታት ከም ህያው ኣብነት ወሲድና “ሓድነትና ሓይልና እዩ” ዝብል ከይዘንጋዕና ከም ሓደ ዕዙዝ ኣቓልቦ ዘድልዮ፡ ጉዳይ ጐረቤት ከነመሓድሮ ናይ ምብቃዕናን ዘይምብቃዕናን ዓቕምና ዝፍትን ተረኽቦ እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ብዘይካቲ ሓድነትና ዝግለጸሉ ልኡላውነትና፡ ብዙሕነትና ዝረአየሉ ሃይማኖታት፡ ኣውራጃታት፡ ቁንቋታትን ባህልታትን እውን ኣለና። እዚ ኤርትራዊ መግለጺ ብዙሕነትና’ዚ ካብቲ ኣብ ሕድሕዱ ዝዛመዶ ብዘይትሕት፡ ምስ ኣብ ጐረባብትና ዘሎ መግለጺ ብዙሕነታት ተመሳሳልነት፡  ከም ዘለዎ ርዱእ እዩ። ኣብ በበይኑ ኩርነዓት ኤርትራ ዝነብር ህዝብና፡ ምስቶም መዳውብቱ ደቂ ካልእ ልኡላዊት ሃገር ዘለዎም ርክብ ከም ኣብነት ምጥቃስ ይከኣል። ኣብ ምዕራብ ዝነብሩ ኤርትራውያን ምስ ሱዳናውያን ብቋንቋ ክረዳድኡ ይኽእሉ። ብእምነት እውን ይመሳሰሉ። ኣብ ደቡብ፡  ደቢባዊ ምብርቕን ምዕራብን ኤርትራ ዝነብሩ ዜጋታትና ምስ ኣብ ትግራይን ዓፍርን ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ዘለዎም ምቅርራብ’ውን ከምኡ እዩ። እዚ ምቅርራባት’ዚ ዝፈጥሮ ዝድምድና ግና፡ ካብ ማሕበረ-ባህላዊ ዝምድና ሓሊፉ ልኡላዊ ዶባት ዝጥሕስን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘእቱን ኣይኮነን።

ነዚ ብባህላዊ፡ ቋንቋውን ንግዳውን ዝምድና ዝሃብተመ ርክብ፡ ልኡላዊ ዶብ ክሃሲ ናብ ዝኽእል ደረጃ ክትመጦ ምፍታን፡ ኩሉቲ ካልእ ሳዕቤናቱ ገዲፍካ ሓድነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ስለ ዝኾነ፡ ብእዋኑ ክግታእ ዝግበኦ እዩ። እዚ ብዙሕ ዘመሳስል እናሃለወካ ናይ በበይነን ልኡላዊ  ሃገራት ዜጋታት ምዃን ኣብ ናይ ብዙሓት ሃገራት ተመኩሮ ዘሎ እምበር፡ ኣባና ጥራይ ዘጋጠመ ኣይኮነን። ብሓጺሩ ጉዳይ ልኡላውነት ሃገርን  ሓድነት ህዝብን ክለዓል እንከሎ፡ ኤርትራውያን ኣብ ክንድቲ ምስቲ ስግር ዶብ ዘሎ  ዘመሳሰሎም፡  ዋላ ብቋንቋን ካልእን ይፈላለዩ፤ ምስቲ ኣብ ክሊ ኤርትራዊ ልኡላውነት ዘሎ ዜጋኦም እዮም ዝዋስኡን ዝስለፉን።

ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ሃገርን ልኡላውነትን ሓደ ኣካል ሓደ ኣምሳል እዩ። እቲ ኣብ ሓደ ኤርትራዊ ኩርናዕ ዘሎ ክሕጐስን ክዕወትን እንከሎ፡ ኣብቲ ካልእ ኩርናዕ ዘሎ’ውን ሓቢሩ ይቐስን። ብተመሳሳሊ ሓደ ኤርትራዊ ክህሰይን ክሓዝንን እንከሎ እውን እቲ ኣብ ካልእ ኩርናዕ ዘሎ ኣይቀስንን። ካብ ራስ ቄሳር ክሳብ ራስ ዱመራ፡ ካብ ተሰነይ ክሳብ ዓሰብ ወይ ካብ ሳሕል ክሳብ ዛላንበሳን መረብን ዝዝርጋሕ ኤርትራዊ ኣብ ሉኣላውነት ኰለንተናኡ ሓደ እዩ። ጾር ናይ ኣብ ሓደ ውሱን ኤርትራዊ ከባቢ ዝርከብ ህዝቢ  ናይ ኩሉ ሰከም እዩ።

ሎሚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ምዕባለ፡ ካብቲ ዲክታተር ኢሳይስ ኣፈወርቅን ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድን ዝምድና ዝፈጠርሉ 2018  ጀሚርና ዝጠርጠርናዮን ዝሰጋእናሉን እምበር ሃንደበት ዝመጸ ኣይኮነን። ኤርትራውያን ጽልዋኡ ኣብ ሃገርናን ህዝብናን ቀሊል ከምዘይከውን ተገንዚብና፡ ካብ ሽዑ ጀሚርና እቲ ዝምድና ናበይ ገጹ ከም ዝምዕብል ነናትና ግምታት ከነንብር ጸኒሕና። እዚ ሎሚ ብግብሪ ንርእዮ ዘለና ምዕባለ ከኣ ምስ ናይ ገሌና ግምት ዝመሳስል፤ ምስ ናይ ገሌና ድማ ዝረሓሓቕ ክኸውን ይኽእል። እቲ ጉዳይ ሎሚ ጥራይ ዘይኮነ ንመጻኢ እውን ዝገድፈና ኣይኮነን። ከምኡ ስለ ዝኾነ ኢና ድማ “መጻኢኸ ናበይ ገጹ ክምዕብል እዩ? በመኸይከ ክንሕዞ ይግበኣና?፡ ምስቶም ዝዋስኡ ዘለዉ ኣካላትከ ብኸመይ ንዛመድ?” ኢልና ንሓትት ዘላና። ኣብ ናይዚ ሕቶታት መልሲ ፍልልያት ከም ዘለና ድማ መድረኽ ባዕሉ ይዛረብ ኣሎ።

እዚ ጉዳይ ኣብ መጻኢ ኤርትራዊ ሰላም፡ ምርግጋእ፡ ሓድነትን ልኡላውነትን ጽልዋኡ ቀሊል  ስለዘይኮነ፡ ከም ኤርትራውያን ግቡእ ጠመተ ክንገብረሉ ግድን እዩ። እንህቦ ሚዛናት ክፈላለ’ኳ ውሁብ እንተኾነ፡ ነቲ ኣብ ኤርትራዊ ኣጀንዳና ብሓድነት ክንዓሞ ዝጽበየና ዘሎ ብዘይዕንቅፍ ከነመሓድሮ ክንበቅዕ ድማ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ኣዝዩ በዳሂ ሓላፍነት እዩ። ኣብ ኣተሓሕዛ ናይዚ ጉዳይ ብዙሓት ተመጠጥቲ ጫፋት ንዕዘብ ኣለና። ካብዞም ጫፋት ንሓደ ጥራይ መዚዝካ ምኻድ ሃሳዪ ከም ዝኸውን ርዱእ እዩ። ካብዚ ሃሰያ ንምድሓን ናይ ተረኽቦታት ኣተሓሕዛና፡ ኤርትራዊ ሓድነትናን ረብሓናን ዝዓቀበን ርትዓውን ክኸውን ይግበኦ። ንናይ ሎሚ ተረኽቦ ጥራይ በይኑ መዚዝካ ብስምዒት ምሓዝ  ዘይኮነ፡ ንናይ ትማሊ እውን ኣብ ግምት ከነእቱ ክንበቅዕ ይግበኣና። ምኽንያቱ ትማሊ እንተዘይህሉ ሎሚ ክህሉ ስለ ዘይክእል። ንጉዳያት ሓንቲ ሓረግ ወይ ቃል ብምምዛዝ ዘይኮነ፡ ንኹሉ ኣብ ግምት ብዘእተወ ምምዛን ክኸውን ይገባኦ።

ኮሚሽነር ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ፡ ዶ/ር ዳንኤል በቀለ ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት መንቀሊኡ ኣብታ ሃገር  ዘሎ ዘይተፈትሐ ፖለቲካዊ ጸገም ምዃኑ ገሊጾም። ዶ/ር ዳንኤል ኣብ ዝሓለፈ 3 ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ዘጋጠመ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ብዙሓት ላዕለዎት ፖለቲከኛታትን ስቪል ኣባላትን ኢትዮጵያውያን ከም ዝእሰሩ ጠቒሶም፡ ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ግህሰት መሰላት ምስ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ብሓባር ኮይኖም የጽንዕዎ ከም ዘለዉ እውን ኣረዲኦም።

እቶም ኮሚሽነር ምስ ማዕከን ዜና ቢቢሲ ኣብ ዝነበሮም ርክብ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ፖለቲካዊ ቅልውላው ዝጠንቁ፡ ናይ ብዙሓት ንጹሃት ሰባት ሞት፡ ምምዝባልን ምብራስ ንበረትን ከም ዘስዓበ ኣብሪሆም። ምስዚ ኣተሓሒዞም ሕጂ እውን እቲ ፖለቲካዊ ጸገም ስለ ዘይተፈትሐ እቲ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት እውን ቀጻሊ ከም ዘሎ ኣቃሊዖም። ብፍላይ ኣብ ትግራይ ብዛዕባ ዘሎ ኩነታት እቲ ዝተፈጸመ  ግህሰት ዘለዎ ክብደትን ተሓታትነት ፈጸምቱን ብዝምልከት ኣብ ምጽናዕ፡ እቶም ነቲ መጽናዕቲ ዘካይዱ ዘለዉ ኣካላት ኣብ ትግራይ ንዝተፈላለዩ ክፍልታት ሕብረተሰብ የዘራርቡ ከም ዘለዉ  ኣፍሊጦም። እቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ መጽናዕቲ ኣብ 3 ኣዋርሕ ክወዳእ መደብ ከም ዝነበረ፡ እንተኾነ ብጸጣዊ ምኽንያት ሓደሓደ ቦታት ምብጻሕ ስለ ዘጸገመ ካብቲ ዝተባህሎ ከይድንጒ ስኽፍታ ከም ዘለዎም ኣፍሊጦም።

ዶ/ር ዳንኤል በቀለ ኣብ ትግራይ ዘሎ ጥሜት ብዝምልከት፡ እቲ ጉዳይ ዝምልከቶም ኣካላት ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ብኣሃዛት ኣሰንዮም ዘቕረብዎ ኣሰካፊ ጸብጻባት ኩሎም ዝምልከቶ ኣካላት ክቕበልዎ ከም ዝግባእ ጠቒሶም። ኣብ ትግራይ ኣብ ዝርከባ ሆስፒታላት ብዋሕዲ መግቢ ዝሳቐዩ ህጻናት ከም ዝተዓዘቡ ኣይሓብኡን።  ንክልል ኦሮምያ ኣብ ዝምልከት ከም ዝሓበርዎ ከኣ፡ ኣብቲ ክልል ሕማቕ ኣተሓሕዛ ኣብያተ-ማእሰርትን ኣብያተ-ፍርድን ከም ዘሎ ኣረጋጊጾም። ንጹሃት ስባት ብተኸታታሊ ብዝተዓጥቁ ሓይልታት ከም ዝቕተሉ’ውን ሓቢሮም።

ኩልና ከም እንዝክሮ’ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ 30 ዓመታት ክፍጸም ዝጸንሐን ጌና’ውን ዝፍጸም ዘሎን ዘስካሕክሕ ኩሉ ዓይነት ግህሰታት ብሰንኪ ኣብታ ሃገር  ግሉጽነትን ናጻ መራኸብታትን  ዘይምህላው ዝዛረቡ ኣካል ከምዘየለ ዝዝከር እዩ።