ብዕለት 23.07.2017 ጨንፈር ፍራንክፎርትን ከባቢኣን ናይ ሰዲህኤ ወርሓዊ ኣኼባኡ ኣካይዱ። እቲ ኣኼባ ሰዓት 2፡00 ድ.ቀ. ብኣቦ መንበር ሓው ታደሰ ኣስመላሽ እዩ ተኸፈተ፡ ኣጀንዳታት ኣኼባ ተገሊጹ። ኣጀንዳታት ኣኼባ ድማ፡-
1 - እዋናዊ ሓበሬታ ምልውዋጥን ውሽጣዊ ጨንፈራዊ ጉዳያትካ ከመይ ኣሎ ምፍታሽን፤
2 - ግምገማ ድሕሪ ኣኼባ ወርሒ ሰነ ዝተኻየዱ ሰልፋዊ ንጥፈታትን ኣብ ከባቢ ዝተፈጸሙ ካብ ሓባራዊ ስራሓትን ሰላማዊ ሰልፊ ጊስን 08.07.2017፤
3 - ጉዳይ ፈስቲቫል ናይ 2017፡ እዮም ኔሮም።
ኣብቲ ቀዳማይ ኣጀንዳ፡ ኣብዚ ግዜ‘ዚ ሰልፍና ዝነጥፈሉ ዘሎ ጉዳይ እማመና ንሓባራዊ ስራሕ፡ ናይ ኣቦ መንበር ሰልፊ ምስ ካልኦት ብጾቱ ኣብ ሰሜን ኣመሪካን ካናዳን ዑደት፡ ዲፕሎማስያዊ ንጥፈታት ሰልፊ ዝኣመሰሉ ጉዳያት ብስፍሕ ዝበለ ኣኼበኛ ተዘራሪቡሉን ኣመጒሱን። ብፍላይ እቲ ምሕዳስ ሰልፊ ዝብል ንጥፈታት ምርኩስ ብምግባር ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ዝተኻየደ ዑደት ኣቦ መንበርና ኣሞጒሱን፡ ንዝኾነ ቅዋማውን ሕጋውን ዲሲፕሊናውን ስጉምትታት ድማ ሰልፍና ብትሪ ክተሓሓዞን ኣኼባ ተማሕጺኑ።

ኣብቲ ካልኣይ ኣጀንዳ‘ውን፡ ጉዳይ ናይ ዕለት 8 ናይዚ ወርሒ‘ዚ ኣብ ጊሰን ብኩሎም ደለይቲ ፍትሒ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ኣኼበኛ ተዘራሪቡሉን ግምገማ ኣካይዱን። ብቐዳምነት ትርጉም ሰላማዊ ሰልፊ ከም ስሙ ሰላማዊ ምዃኑን፡ ኣካል ናይቲ ህዝብና ዘካይዶ ዘሎ ጸረ መላኺ ስርዓት ሰላማዊ ቃልስን፡ ጉዳይና ንዓለም እነቃልሓሉን፡ ነቶም ኣብ ጎዳጒዲ መላኺ ስርዓት ተዳጒኖም ዘለዉ ኣሕዋትና ኣፍ ክንኮኖምን ብምኻኑ፡ ብቐጻሊ ከይሰልከና ብሕጋዊ መገዲ ናይ ንነብረሉ ዘሎና ሃገር ተቐይድና፡ ህግደፍ ኣብ ዝተኣከብሉ ቦታ ከነካይዶ ከም ዘሎናን ኣኼበኛ ተመሕጺኑ። ነቲ ኩላትና ደለይቲ ፍትሒ ዘካየድናዮ ሰላማዊ ሰልፊ ዕዉት ብምንባሩን ብፍላይ መንእሰያት ብዝገበሩዎ ሕኑን ንጥፈታትን ኣኼበኛ ናእዳኡ ገሊጹ። ሰላማዊ ሰልፍታት ብዝያዳ ውዳበ ክደጋገምን፡ ኣባል ህግደፍ ብዛዕባ ተቃወምቲ ውድባት ዝብልዎ ብሂላት ንድሕሪት ክመልሰና ከምዘይብሉን ርእዩ።

ካብ ስእልታት ሰላማዊ ሰልፊ ጊስን 08.07.2017
ኣብቲ ናይ መወዳእታ ኣጀንዳና ጉዳይ ፈስትቫል‘ውን ንውሕ ዝበለ ግዜ ብምውሳድ ኣኼበኛ ተዘራሪቡሉ። ትርጉም ፈስቲቫልን፡ ናትና ፈስቲቫል ካብ ፈስቲቫላት ህግደፍ ብምንታይ ከም ዝፍለን፡ ፈስቲቫላትና ኣካል ናይ ግሉጽነታዊ ናይ ኣሰራርሓናን መልእኽትና ናብ ህዝብና እነመሓላልፈሉን ምኻኑ‘ውን ኣኼበኛ ብዝርዝር ተዘራሪቡሉ። ናይ ዝሓለፉ ፈስቲቫላትና ገምጋም ብምውሳድ ድማ ዝነበሩ ሕጽረታት ኣሪምናን ኣጽፊፍናን እንሰርሓሉ ኣገባብ ምጥቃም ኣገዳሲ ምኻኑ ኣኼበኛ ተረዳዲኡሉን፡ ነዚ ናይ 2017 ፈስቲቫልና ንምዕዋቱ ነፍስ-ወከፍና ከከም ዓቕምና ጉቡእና ከነወፊ ከም ዘሎናን‘ውን ኣኼበኛ ድልዉነቱ ብገሊጹ ኣኼባ ኣብ እዋኑ ተደምዲሙ።
ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ “ብሓድነትና ንሓድነት ህዝብናን ሃገርናን” ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭረሖ ብ22 ሓምለ 2017 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሰናድኦ ናይ ሓደ መዓልቲ ሰሚናር ተኻይዱ። ኣብዚ ሰሚናር መሰረታትን መሪሕነትን ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ወሲኽካ፡ ወከልቲ ተቓወምቲ ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራ፡ ስደተኛታትን ግዱሳት ኤርትራውያንን ተሳቲፎም። ኣብዚ ሰሚናር ብሓለፍቲ እቲ ሰልፍን ዕዱማትን ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ጽሑፋት ቀሪቦም ሰፊሕ ዘተ ድማ ተኻይድዎም።
ግደ ቃልሲ ኤርትራውያን ኣብ 40ታት ምስ ስዉእ ከቢረ፡ ንሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ዘላሊ መግለጺ፡ ኣብ ዞባና ዝርአ ዘሎ ምዕባለታትን ኣብ ኤርትራ ዘሕድሮ ጽልዋን፡ ብዛዕባ ዝብሉ ዛዕባታት ብላዕለዎት ሓለፍቲ ሰልፊ ናህዳ ቀሪቦም። ከምኡ እውን “ኣተሃላልዋ ደንበ ተቓውሞን ብደሆታትን መጻኢ ዕድላትን” ዝብል ሰፊሕ ጽሑፍ ብሓው ዮሃንስ ኣስመላሽ ኣቦመንር ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ቀሪቡ።

ኣብቲ ዝቐረበ ጽሑፋት ናይ 40ታት ቃልስ ህዝቢ ኤርትራን ናይ ሎሚ ብደሆታትን ዘለዎ ተመሳሳልነትን ፍልልይን ብሰፊሑ ተንጸባሪቑ። ካብዚ ሓሊፉ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ኣብዚ እዋንዚ ውድባት ኤርትራ ብዘይካ ሓቢርካ ምስራሕ ካልእ መዋጸኦ ከምዘየብለን ኣብቲ ነቲ ሰልፊ ዘላሊ ጽሑፍ ቀሪቡ። ካብዚ ሓሊፉ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ከባቢ ቀይሕ ባሕሪ ዝረአ ዘሎ ናይ ሓልታት ምትእኽኻብ ዘይሓላፍነታዊ ኣካይዳ ጉጅለ ህግደፍን ኣብ ኤርትራ ሓደጋ ከየውርድ ከም ዘስግእ ነቲ መድረኽ ዝመርሐ ሓው ዓብደራሕማን ጠሃኑር ኣቦመንበር ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ኣጠንቂቑ።
ሓው ዮሃንስ ኣስመላሽ ኣብቲ ዘቕረቦ ሰፊሕ ጽሑፍ፡ ህልዊ ኩነታት ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ዘርዚሩ፡ ናብዚ ኣትይዎ ዘለዎ ደውታ ዘውደቕዎ ምኽንያታት’ውን ኣብሪሁ። ካብዚ ደውታዚ ንምውጻእ ክውሰዱ ዝግበኦም መዋጸኦ ስጉምትታት ክገልጽ እንከሎ ከኣ፡ ንፍቶ ንጽላእ ድኹማት ከምዘለና ኣሚንና፡ ካብዚ ድኻም’ዚ ንምውጻእ ብሓባር ምሰራሕ ግደታ እምበር ምርጫ ከምዘይኮነ ኣዕዚዙ ገሊጹ። ብሓባር ንምስራሕ ከሰማምዑና ይኽእሉ ኢሉ ዝጠቐሶም ነጥብታት ከኣ፡ “1፡ ንስርዓት ህግደፍ ካብ ስልጣን ምእላይ፡ 2፡ ብሓጺር ግዝያዊ መንግስቲ ኣቢልካ ኩሉ ዝሳተፈሉ መሰጋገሪ መንግስቲ ምምስራት፡ 3፡ ሃገራዊ ቻርተር ኣጽዲቕካ ድማ ኣብ ውሳንነት ናይ ህዝብን ልዕልና ሕግን እሙን ኮንካ ብህዝባዊ ምርጫ ህዝባዊ መንግስቲ ምምስራት” ዝብሉ ነጥብታት ኣስፊሩ። ሓው ዮሃንስ ኣስመላሽ እቲ ናብዚ ዘብጽሕ ዕግበት ብሓንሳብ ኣብ ኩሉ ዘይክሓድር ስለ ዝኽእል፡ ካልእ እንተተረፈ እቶም ዝዓገቡ ክጅምሩ ከም ዘድሊ ገሊጹ። ተሳተፍቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክፋል ሰሚናር ሕቶታት ብምቕራብ ተወሳኺመብርሂ ብምሃብን መሕየሊ ርኢቶታት ብምውሳኽን ምዉቕ ተሳትፎ ነይርዎም።
ኣብ ኤርትራ ብገበርቲ ሰናይ ዝተለገሰ መድሃኒት ብሰንኪ ኣብ ግዜኡ ኣብ መዓላ ዘይምውዓሉ ከም ዝበላሾ ነቲ ኩነታት ዝተኸታተሉ ወገናት ሓቢሮም። በቲ ሓበሬታ መሰረት ሓደ ጀርመናዊ ገባር ሰናይ ማሕበር ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዋሕዲ መድሃኒት ኣብ ምቅላል ክሕግዝ ዘውፈዮ 60 ሺሕ ዩሮ ዝዋግኡ መድሃኒት ካብ ጀርመን ብኮንተነራት ተጓዒዙ ኣብ ወደባዊት ከተም ምጽዋዕ ምስ በጽሕ ዝግደሰሉ ስኢኑ ኣብ ኣገልግሎት ከይወዓለ ነዊሕ ግዜ ከም ዝጸንሐ እቶም ምንጭታት ሓቢሮም።
እዚ መድሃኒት ብሰንኪ ጸሓይን ንፋስን ካብ ኣገልግሎት ወጻኢ ምስኮነ፡ ናብ ከተማ ኣስመራ ከም ዝተጓዕዘ እዞም ምጭታት ገሊጾም። እቶም ምንጭታት፡ ገበርቲ ሰናይ ጀርመናውያን ብተግባራት ጉጅለ ህግደፍ ከም ዝተቖጥዑ ብምጥቃስ ብ21 ጉንበት 2017 ኣብ ጋዜጣ ዝጸሓፍዎ ኣንቢቦም ከም ዝገለጽዎ እዚ ብገበርቲ ሰናይ ዝተለገሰ መድሃኒት ኣብዚ ህዝቢ ኤርትራ ብንኪ ዋሕዲ መድሃኒትን ስእነት ሕክምናን ዝሳቐየሉ ዘሎ ግዜ ከምዚ ዓይነት ዘይተገዳስነት ምግጣሙ ጉጅለ ህግደፍ ብህዝቢ ዘሽካዕልል ምዃኑ ዘመልክት መረጋገጺ እዩ።
ቅድሚ ሕጂ እውን ብሕማም ዝሳቐዩ ኤርትራውያን መድሃኒት ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ግዜ መጥባሕቲ ሓይሊ መብራህቲ ስለ ዘይርከብ ብግሎም ጀነሬተር ከቕርቡ ኣብ ዝግደድሉ ሃለዋት ምህላዎም ምጥቃስና ዝዝከር እዩ።
Winnipeg, Canada, Enjoys a Rare Public Discourse on Eritrean Issues
Tuesday, 18 July 2017 00:54 Written by EPDP Information OfficeChairman of the Eritrean People's Democratic Party (EPDP), Mr. Menghesteab Asmerom, and EPDP Chair Office Representative for North America, Mr. Gherezghiher Tewelde, on 15 July 2017 conducted an open public meeting on Eritrean issues in the Canadian city of Winnipeg. The event was unique of its kind due to the fact no such high-level delegation from the Eritrean opposition camp ever organized such a meeting in far-away central Canada.

EPDP Winnipeg Branch Chairman, Mr. Naizghi Bahlai, introduced the speakers by giving brief background notes about their active life-time devotion at all phases of the Eritrean people's cause for national liberation and, nowadays, for democratic change.
Following the introductory remarks, Mr. Menghesteab Asmerom explained in great detail the political mission and vision of the EPDP and pointed out some of the satisfactory performances of his party in the uphill struggle of the Eritrean people from exile.
At his 5th public meeting so far in North America, the EPDP Chairman noted that the party continues without fail to raise public awareness on the urgency of everybody's

participation in the struggle to remove a repressive regime and replace it by a democratic system of governance. Besides encouraging open discourse among Eritreans, the party also strives to create wider awareness of the Eritrean situation among world governments and organizations. He added that EPDP's active involvement among the 50 parties in the Progressive Alliance and its contacts with governments and international organizations are helpful in the current Eritrean struggle.
The EPDP Chairman also talked about the commendable public mobilization and outreach by branches and zonal groupings of the party in all the five continents. Likewise, he mentioned some of the vital social services rendered to refugee children and veterans of the struggle by party members working in close cooperation with other benefactors in several parts of the world.
This was followed by an explanation of the 4 June 2017 EPDP proposal for joint work with other organizations in the opposition camp as was presented in his previous public meetings called in the Bay Area of California, in San Diego, in Chicago and in Seattle.
Messrs. Menghesteab Asmerom and Gherezghiher Tewelde jointly took part in responding to questions and comments raised by discussants in the meeting.
It is to be noted that two days earlier on 13 July, both the EPDP Chairman and his representative in North America, also held discussions with interested compatriots in Saskatoon on vital issues affecting Eritrea and its people today.
ላዕለዎት ሓለፍቲ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣቶ ወልደየሱስ ዓማር ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ኣህጉራዊ ጉዳያትን ኣቶ ረዘነ ተስፋጼን ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ገንዘባዊ ጉዳያትን ብ16 ሓምለ 2017 ንኣባላት ሰልፊ ነዊሕ ሰዓታት ዝወሰደ ኣስተምህሮ ሂቦም። እዞም ኣባላት መሪሕነት ኣስተምህሮ ዝሃብሉ ዛዕባታት ንመጻኢ ዕማም ምሕዳስ ሰልፊ ዝእምቱ ኮይኖም፡ ቅድሚ ሕጂ ብመሪሕነት ተጸኒዖም ዝተዳለዉ “ዲሞክራሲ፡ ግዝኣተ-ሕግን ትካላዊ ኣሰራርሓን ኣብ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን፡ ኣብ ተሓድሶ ሰልፊ እንታይ ክንገብር ንደልን ንኽእልን?” ዝብሉ ክልተ ሰነዳት እዮም።
ኣብቲ ቀዳማይ ንወሳንነት፡ ዲሞክራሲ፡ ግዝኣተ-ሕግን ትካላዊ ኣሰራርሓን ኣትሪሩ ዘዕዝዝ ጽሑፍ ብሓው ረዘነ ተስፋጼን፡ ድሕሪ መእተዊ ዝኾኖ ተዛማዲ ሓሳብ ምቕራብ 1. ፖሊቲካዊ ፕሮግራምን ቅዋምን ሰዲህኤ፡ 2. ሰዲህኤን ሕቶ ዲሞክራስን፡ 3. ዲሞክራስን ዲሞክራስያዊ መሰልን፡ 4. ልዕልና ግዝኣተ ብዙሓትን መሰል ውሑዳትን፡ 5፡ ዘይፍጹምነት ዲሞክራስን ጉዳይ ሓርነት ደቂ ሰባትን ኣብ ዝብሉ ንኡሳን ኣርእስታት ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ።
ኣቶ ወልደየሱስ ዓማር ብወገኑ ነቲ “ኣብ ተሓድሶ ሰልፊ እንታይ ክንገብር ንደልን ንኽእልን?” ዝብል ጽሑፍ ብዝርዝር ኣቕሪቡ። ንሱ ኣብዚ ዘለናዮ ዘመን ንኣድላይነት ውዳበን ኣተገባብርኡን ምስ ኣብረሀ፡ ብፍላይ ከኣ፡ 1፡ ትርጉም ተሓድሶ ፖለቲካዊ ሰልፊ፡ 2፡ ንዕብየት ሰልፍናን ተቓውሞ ኤርትራን ዝብድህ ዘሎ ጸገማት፣ 3፡ ንኽንህሉን ከነድምዕን ኣብ ውሽጢ ሰልፍና እንታይ ለውጢ ንግበር? መዓስከ?፡ 4፡ ድኹምካብ ክበሃል ዝከኣል ጐድንታት ሰዲህኤ፣ 5፡ ኣብ መወዳእታ ከኣ እሞ እንታይ ይገብር? ኣብ ዝብሉ ንኡሳት ኣርእስትታት ብኣብነትን ግብራዊ ተመኩሮን ኣሰንዩ ኣብሪሁ።
ድሕሪ እዚ መድረኽ ንተሳተፍቲ ክፉት ምስ ኮነ፡ ተሳተፍቲ፡ እቲ ኣቀራርባ ንጹር እቲ ዛዕባ ድማ ዝርድእዎን ኣብ ክሊ እቲ ዝፈልጥዎ፡ ባዕላቶም ዘጽደቕዎን ንምትግባሩ ዝቃለስሉ ዘለዉን መትከላትን ትካላዊ ኣሰራርሓን ዝተሰረተ ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ሕቶን መልስን እምብዛ ግዜ ኣይወሰዱን። ብኣንጻሩ ነቲ ዕድል ኣብዚ ንርከበሉ ዘለና ውሽጣውን ግዳማውን ኩነታት ምእንቲ ምዕዋት ሰልፍን ድሕነት ሕጊ፡ ትካላዊ ኣሰራርሓን ቅዋምን ክግበር ዝግበኦ ሓሳባት ኣብ ምቕራብ እዮም ኣተኲሮም። እቲ ብተሳተፍቲ ኣኼባ ዝቐርብ ዝነበረ መርኣያ ድልውነትን ቅሩብነትን ከኣ “ብዘይትካላውን ቅዋማውን ኣሰራርሓ” ዝዕወት ቃልሲ ከም ዘየለ ብምንጻር፡ ምእንታኡ ሎሚ እውን ከም ቀደም ኣብ መስርሕ ዘጋጥሙና ዕንቅፋታት እንዳኣለዩን ድኽመታት እንዳኣረሙን ዋጋ ክኸፍሉ ድልዋት ምዃኖም ዘነጽር እዩ። ብዙሓት ካብ ተሳተፍቲ ከኣ ቅንዕናን ኣድማዕነትን ቃልሲ ካብ ዝግለጸሉ መምዘንታት ሓደ ኣብ ምኽባርን ዘይምኽባርን ሕጊን ቅዋምን ዝምክሮስ ስለ ዝኾነን ናይ ኩሉ ቅድሚ ሕጂ ሓድነትን ምፍልላይን መንቀሊ ከኣ እዚ ምንባሩን ምህላዉን ኣስሚረምሉ። ኣተሓሒዞም ቅዋምን ሕግን ናይቶም ብኣኡ ዝጭርሑ ዘይኮነስ ናይቶም ብኣኡ ዝግዝኡ ምዃኑ ብትሪ ገሊጾም።
ብዘይካዚ ተሳተፍቲ ኣኼባ መሪሕነት ሰልፊ ኣብ መጻኢ መደባቱ ኣብ ግምት ከእትዎም ዝበልዎም ሓሳባት ኣቕሪቦም። ኣስተምህሮ ዝሃቡ ሓለፍቲ ብወገኖም ነቲ ኣጸቡቑ ዘይነጸረ ዝነበረ ሓሳባት ከነጽሩ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ቀንዲ ዕላማ ናይቲ ኣኼባ ከምኡ ምንባሩ ብምጥቃስ፡ መሪሕነት ብተሳተፍቲ ንዝቐረቡ ሓሳባት መጻኢ መደባቱ ክሕንጽጽ እንከሎ ኣብ ግምት ከእትዎም ምዃኑ ኣረጋጊጾም።
EPDP Chair Holds Electronic Meeting with Party Members in USA and Canada
Sunday, 16 July 2017 17:21 Written by EPDP NA - Information TeamMr. Menghesteab Asmerom, Chairman of the Eritrean People's Democratic Party (EPDP), who is in six-week duty tour to the United States and Canada, held a teleconference meeting with members across North America on Sunday, 9 July, and updated them on the main issues discussed at the Seattle public meeting of the previous day as well as on the internal situation of the party
The EPDP Chairman seized the opportunity to clarify in great detail the latest developments within the North America branches and announced the designation of a nine-person preparatory committee for the extraordinary congress called for the region.
On its party, the preparatory committee held its first meeting on 10 July and organized itself in three action sub-committees as follows:
1) Sub-Committee for organization and mobilization;
2) Sub-Committee for information and diplomacy/public relations;
3) Sub-Committee for social and financial issues.
The sub-committees are reportedly starting to implement their specific duties with the urgency and dedication required to address a number of pending tasks.
ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን (ሰዲህኤ) ሓው ገረዝጊሄር ተወልደ፡ ወኪል ቤት ጽሕፈት ኣቦ መንበር ኣብ ዞባ ሰሜን ኣመሪካን ዝርከብዎ ልኡኽ፡ ብቀዳም ዕለት 15 ሓምለ 2017 ኣብ ከተማ ዊኒፐግ፡ ካናዳ፡ ክፉት ህዝባዊ ኣኼባ ኣካይዶም።

ብቐዳምነት፡ ሓው ናይዝጊ ባህላይ፡ ኣቦ መንበር ጨንፈር ሰዲህኤ ኣብ ዊኒፐግ፡ ንኣኼባ ብዝኽሪ ናይ ሰማእታት ከፊትዎ። ኣስዒቡ ድማ፡ ንኣኼበኛታትን ንመራሕቲ ኣኼባን ናይ እንቋዕ ድሓን መጻእኩምን ናይ ምስጋና መልእኽቲ ኣቕሪቡ። ሓጺር ታሪኽ ህይወት ሓው መንግስተብ ኣስመሮምን ሓው ገረዝጊሄር ተወልደን ድሕሪ ምግላጽ ድማ፡ መድረኽ ንኣቦ መንበር ሰዲህኤ ኣመሓላሊፍዎ።

ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ንሰዲህኤ ምስ ኣኼበኛታት ድሕሪ ምልላይ፡ ብሰልፊ ዝካየዱ ዓበይቲ ንጥፈታት ሓጺር መግለጺ ኣቕሪቡ። ኣብ ዲፕሎማስያዊ መዳይ፡ ሰዲህኤ፡ መስራቲ ኣባል ናይ’ቲ ልዕሊ 150 ዝዀኑ ሰልፍታት ዝኣባላቱ ገስጋሲ ምሕዝነት ምዃኑ ሓቢሩ። ከምኡ’ውን፡ ምስ መራሕቲ መንግስታትን ሰልፍታትን ዓለም፡ ምስ ኣህጕራዊ ትካላትን ብኣካል ብምርኻብን ብመዘክራትን ኣቢሉ ንሃለዋት ህዝብናን ሃገርናን ምስ ወጻእተኛታት ንምፍላጥ ጽዑቕ ምንቅስቓሳት ከምዝገብር ኣረዲኡ።
ኣብ ማሕበራዊ መዳይ ድማ፡ ነቲ ኣብ ነፍስወከፍ ዓመት ካብ 600-800 ዝዀኑ ህጻናት ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝምሃርሉ ቤት ትምህርቲ ወድሸሪፈይ ናይ ምክያድ ምሉእ ሓላፍነት ተሰኪሙ ይጓዓዝ ምህላዉ ኣረዲኡ። ነዚ ሓላፍነት እዚ ምስ ኣሰን ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ዝተባህሉ ዘይመንግስታውያን ትካላት ብምትሕብባር ከምዘካይዶ ድማ ገሊጹ። ብተወሳኺ፡ ነዚ ቤት ትምህርቲ’ዚ እግሪ ኣብ ምትካል፡ ሆላንዳውያን ዘይመንግስታውያን ትካላትን ነፍስሄር ኣባ ማሪኖን ምሕዝነት ማሕበራት ቀይሕ መስቀልን ወርሕን ኤርትራን ዝተጻወትዎ ተራ ዘኪሩ።

ኣስዒቡ ብመደብ ናይ ርሑቕ ወላዲ ዝጽዋዕ፡ ንዓቕሚ ዘይብሎም ኤርትራውያን ህጻናት ኣብ መደበራት ስደተኛታት ከምመጕዚት ወይ ወለዲ ኰይኖም ዝሕግዝዎምን ዘምህርዎምን ገበርቲ ሰናይ ዝዀኑ ኤርትራውያን ይኹኑ ወጻእተኛታት ውልቀሰባት ብምውዳድ ዝካየድ ንጥፈታት ከምዘሎ ሓቢሩ።
ብመዳይ ህዝባዊ ዕዮ ድማ፡ ኣብ መላእ ዓለም ተዘርጊሑ ዝርከብ ብደረጃ ጨናፍርን ዞባታትን ዝተሰርዑ ኣባላት ምህላዎምን፡ ኣብ ዜናዊ መዳይ ዝጥቀመሎም መሳለጢታትን ዝጻወትዎ ንህዝቢ ናይ ምጕስጓስን ምጥርናፍን ስርሓት ብዝርዝር ሓቢሩ።
ኣስዒቡ፡ ነቲ ኣብ ከተማታት ኦክላንድ፡ ሳንዲየጎ፡ ቺካጎን ስያትልን ዘቕረቦ ንሓባራዊ ዕዮ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ዝምልከት እማመ ብሰፊሑ ንኣኼበኛታት ድሕሪ ምቕራብ፡ ናይ ሕቶን መልስን ርእይቶን ምሃብ መድረኽ ተኸፊቱ።

ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮምን ሓው ገረዝጊሄር ተወልደን ድማ ተሓባቢሮም ንዝቐረበሎም ሕቶታት መልስታትን ሂቦምን ካብ ህዝቢ ዝቐረበሎም ለበዋታትን ርእይቶታትን ድማ ሰሚዖም።
ኣኼበኛታት እውን ብዝተዋህቦም መግለጺታት ሕጉሳት ምዃኖም ገሊጾም፤ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ኣኼባታት ብቐጻልነት ክካየድ ድማ ተላብዮም።
ብ13 ሓምለ 2017 ከኣ ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮምን ሓው ገረዝጊሄር ተወልደን፡ ኣብ ከተማ ሳስካቱን ዝርከቡ ግዱሳት ኤርትራውያን ተራኺቦም፡ ብዛዕባ ሃለዋት ህዝብናን ደምበ ተቓውሞናን ዓሚቝን ጠቓምን ዝዀነ ምይይጣት ኣካይዶም ኢዮም።
ኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣኼባ ኣባላት ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ኣካይዱ
Friday, 14 July 2017 03:03 Written by Information Office in North Americaሰንበት 9 ሓምለ 2017 ኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም ሓፈሻዊ ኣኼባ ኣባላት ሰልፊ ሰሜን ኣሜሪካ ብቴለ-ኮንፈረንስ ኣካይዱ። ኣብ’ዚ ኣኼባ’ዚ ቀዳም 8 ሓምለ ኣብ ስያትል ዘካየዶ ዕዉት ናይ ህዝቢ ኣኼባ ድሕሪ ምግላጽ፡ ሓፈሻዊ ኩነታት ሰልፊ ብዝርዝር ኣብሪሁ።
ኣብ ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ተበጺሑ ዘሎ ምዕብልናታት ብዘርዝር ድሕሪ ምብራህ ምቛም ናይ ትሽዓተ ዝኣባላታ ናብ ህጹጹ ጉባኤ ዞባ እተብጽሕ ሽማግለ ሓቢሩ። ካብ ኣባላት ንዝቐረበሉ ሕቶታት ንጹርን ኣዕጋቢን መልስታት ሂቡሉ።
ኣስናዳኢት ሽማግለ ብወገና ሰኑይ 10 ሓምለ ፈላሚ ኣኼባኣ ብምክያድ ነብሳ ኣብ ሰለስተ ሽማግለታት ብኸምዚ ዝስዕብ ሰሪዓ።
1) ናይ ዉደባን ጎሽጓሽን
2) ናይ ዜናን ዲፕሎማሲን
3) ናይ ማሕበራውን ቁጠባውን
ንኡሳን ሽማግለታት ኣሰናዳኢት ሽማግለ ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ንምድንፋዕን ተራኡ ንምዕዛዝን ኣብ ስራሕ ተዋፊረን ይርከባ።
ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ
12 ሓምለ 2017
في الفاتح من يوليو 2017م عقد الأخ/ منقستئاب أسمروم رئيس حزب الشعب الديمقراطي الارتري اجتماعاً جماهيرياً مفتوحاً بمدينة شيكاغو الامريكية. هذا وقد افتتح الاجتماع بتحية الشهداء بالوقوف دقيقة حداداً علي أرواحهم.
بعد ذلك صعد المنصة السيد/ تولدي محاري من فرع إنديانا وألقى كلمة ترحيب وتهنئة حارة بالحضور، ثم دعا الرئيس لمخاطبة الاجتماع.
تناول أسمروم مشروع الحزب للحوار مع وبين فصائل معسكر المعارضة الارترية كموضوع رئيسي للاجتماع، والي جانبه إحدى القضايا المثيرة للجدل في الأوساط المحلية والاقليمية والدولية، ألا وهي مصطلح الدولة/ state/ كمدخل للموضوع الرئيسي للاجتماع.
أوضح الرئيس أنه بما أن الوطن والدولة أو الحكم(state and government) أمران منفصلان عن بعضهما فإن معارضة أو مقاومة الدولة أو الحكومة لا تعني معارضة أو مقاومة الوطن. ثم ذكر أن للدولة 4 أركان مكونة هي الآتي:
1- الحكومة
2- الشعب
3- الأرض
4- الاعتراف الدولي
1/ الحكومة:ـ
أوضح اسمروم بالتفصيل أن أركان الحكم كلها في ارتريا اليوم من سلطات ثلاثة (التشريعية، التنفيذية، القضائية) وغيرها من أركان وأدوات السلطة تتركز بشكل كامل في يد رجل واحد هو رئيس تلك الحكومة.
2/ الشعب:ـ
شرح اسمروم بالتفصيل أيضاً أن الشعب الارتري اليوم وفي ظل هذه الحكومة المتجبرة يفتقد كل الحريات والحقوق الأساسية معنويةً كانت أو مادية. هذا فضلاً عن التفكك الأسري والهجرة التي يشجع عليها النظام بالتضييق علي المواطن بالداخل لكي يحصل علي ريع تحويلات المهاجرين.
3/ الأرض:ـ
عن الأرض الارترية قال اسمروم: إن سياسات النظام الرعناء أدت الي وقوع أجزاء عزيزة وعديدة من الوطن تحت سيطرة اثيوبيا، بالإضافة الي أن عدم قدرة النظام علي استرداد تلك الأجزاء بالسلم أو الحرب عرض سيادة ارتريا الوطنية علي أراضيها لخطر بالغ. أضف الي ذلك أنه جعل من الأرض والمياه والأجواء الارترية مسرحاً تسرح وتمرح فيه القوى الأجنبية مما سيصعب معه التعامل مع مخلفات وآثار هذه السياسات الخبيثة مستقبلاً.
4/ الاعتراف الدولي:ـ
قال اسمروم: إنه وإن نال الشعب الارتري الاعتراف الدولي بالدولة الارترية بعزيمته النضالية الصلبة وبالتصويت بنعم للاستقلال وإن كان ذلك الاعتراف ما يزال قائماً، إلا أن سياسات وتصرفات النظام الهوجاء تعتبر مهدداً قوياُ قد يؤدي الي فقدان هذه الميزة.
من جهةٍ أخرى أوضح اسمروم أن حزبنا جـِــدُّ قلق علي مستقبل البلاد لما تتعرض له علي يد النظام من وقوف علي شفا التحول الي دولة فاشلة بالإضافة لوجود المعارضة التي هي المنقذ المرتجى من هذا المصير المظلم في أضعف حالاتها.
منطلقاً مما تقدم شرحه قال الرئيس: إن هذه الحالة المزرية التي تمر بها البلاد تجعل من تناسي المعارضة خلافاتها والجلوس علي مائدة الحوار البناء مطلباً عاجلاً غير آجل. كما نبه الي ضرورة تلافي التجارب الوحدوية والحوارية الفاشلة التي سادتها الأنانية وتغليب المصالح الفئوية والشخصية فضلاً عن الفشل في تحديد وترتيب الأولويات.
ولتنفيذ هذا المطلب العاجل أفاد اسمروم الحضور بأن حزبنا لديه مشروع حوار جاد بين كافة مكونات المعارضة السياسية والمدنية يستند علي العمل المشترك في 3 مجالات، هي المجال الدبلوماسي، الاعلامي والجماهيري التعبوي.علي أن تهدف الحوارات الي الآتي:
1- الحفاظ علي السيادة الوطنية لارتريا
2- إسقاط نظام الهقدف الدكتاتوري وحل واجتثاث مؤسساته وأدواته القمعية
3- إبدال النظام الدكتاتوري بنظام شعبي ديمقراطي قائم علي التعددية السياسية.
4- الإقرار بحكم القانون والحقوق الديمقراطية والحريات الكاملة للشعب.
في ختام الاجتماع ردَّ الرئيس علي أسئلة وتعليقات الحضور، والذين أشادوا بمشروع الحزب للحوار بين قوى المعارضة مقدِّمين في الوقت ذاته إشادة خاصة بحزب الشعب الديمقراطي الارتري لتفرده من بين سائر التنظيمات الارترية بالاهتمام الخاص بعقد الاجتماعات المفتوحة بمدينة شيكاغو.
وفد حزب الشعب الديمقراطي في المؤتمر الخاص للحزب الاشتراكي الديمقراطي الألماني
Tuesday, 11 July 2017 11:47 Written by اعلام حزب الشعب الديمقراطي الارتريشارك حزب الشعب الديمقراطي الارتريفي المؤتمر الخاص للحزب الاشتراكي الديمقراطي الألمانيالمنعقد في الخامس والعشرين من يونيو 2017م بمدينة درتموند، يذكر أن هذا الحزب يتمتع بسند جماهيري كبير في انتخابات منصب المستشار الألماني والمزمع إجراؤها في الرابع والعشرين من سبتمبر 2017م.
السيدة/ آديام تفرا عضو المجلس المركزي لحزبنا والناشطة في مجال حقوق المرأة ترأست وفد حزبنا الي مؤتمر ذلك الحزب، هذا وقد حمل الوفد رسالة خطية من رئيس حزبنا الي رئيس الحزب الألماني الصديق.
تقول الرسالة: سعيدون جداً بأن يتكلل مؤتمركم بالنجاح كما نخبركم أن قضيتنا وطرحنا لحلول قضايا الانسانية يشتركان في كل الأهداف والمبادئ الإنسانية النبيلة.
كما ذكرت الرسالة أن حزبنا أحد مؤسسي التحالف الأممي للأحزاب التقدمية والذي استضاف مؤتمره التأسيسي هذا الحزب بمدينة لايبزغ الألمانية في 2013م. هذا فضلاً عن مشاركة الحزب في المؤتمر السابق للحزب الألماني، كما شارك حزبنا قبل 4 أعوام في إحياء الذكرى ال 150 لتأسيس الحزب الاشتراكي الديمقراطي الألماني.
وأضاف الرئيس: إننا نشيد بالدور الانساني الرائد لحزبكم في دعم دعاة السلم والديمقراطية في بلادنا من تنظيمات ومنظمات سياسية ومدنية تنشط في الخارج.
في ختام رسالته يقول الرئيس: إن الارتريين المتمتعين بحق الانتخاب في المانيا سوف يحشدون كل جهودهم لمساندة الحزب الألماني الصديق.
شارك في المؤتمر 600 عضو وخمسة آلاف " 5.000" وفد وضيف، وفي خطابه للمؤتمر قال رئيس الحزب السيد/ مارتين شولتز مرشح الحزب لمنصب المستشار، إنهم يهدفون في برنامجهم الانتخابي الي مجانية التعليم، تخفيض الضرائب، الإنتاج الألماني المتوسط، الاستثمار في البنية التحتية، تأييد الوحدة